ኣብ ሄሰን ዝርከብ “ፍትሓዊ ውህደት” “Faire Integration” Hessen ዝብል ኣማኻሪ ኣገልግሎት ኣካል ናይቲ ካብ ሕብረት ኤውሮጳ ወጻኢ ንዝመጹ ስደተኛታትን ብዛዕባ ናይ ስራሕን ማሕበራዊ ሕግን ሕቶታት ዘለዎም ዝድግፍ ሃገር-ለኸ 6መርበብ እዩ። እቲ ምኽሪ ኣብ ብቐጥታ ምስ ስራሕ ዝተኣሳሰሩ ኣርእስታት ከም ደሞዝ፡ ሰዓታት ስራሕ፡ ዕረፍቲ፡ ምቁራጽ ስራሕን መድሕን ጥዕናን ዘተኮረ እዩ። እቶም ምኽሪ ዝደልዩ ሰባት ብዛዕባ ከም ሰራሕተኛታት ዘለዎም መሰላትን ነዚ መሰላት እዚ ብኸመይ ከም ዝሓትቱን ከተግብርዎን ይመሃሩ። ብዙሓት ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ናብ ጀርመን ዝሃደሙ ወይ ካብ ሳልሳይ ሃገራት ሰራሕተኛታት ኮይኖም ናብ ጀርመን ዝመጹ ሰባት ሞያዊ ስልጠና ይጅምሩ ወይ ስራሕ ይወስዱን መብዛሕትኡ ግዜ ሓድሽ ብድሆታት የጋጥሞምን። ዕላማ እቲ ምኽሪ ነዞም ውልቀሰባት ካብ ምዝመዛን ኣድልዎን ንነብሶም ኣብ ምክልኻልን መሰላቶም ብኣድማዒ መንገዲ ኣብ ምጥቃምን ንምድጋፍ እዩ። እቶም ኣብ ናይ ስራሕ ዝምድና መሰላቶምን ግዴታታቶምን ዝፈልጡ፡ ንነብሶም ክከላኸሉ፡ ውሑስ ዘይኮነ ወይ ድኹም ኩነታት ስራሕ ኣለልዮም፡ ኣብ ነዊሕ እዋን ኣብ ጀርመን ፍትሓዊ ኩነታት ስራሕ ንኽህሉ ኣበርክቶ ይገብሩ። ፍትሓዊ ውህደት ኣብ መላእ ሃገር ይውከል። ኣብ ሄሰን ባቫርያን እቲ ኣገልግሎት ብማሕበር ኤውሮጳዊ ጉዳይ ስደተኛታት ሰራሕተኛታት ዝወሃብ እዩ። ተግባራዊ ኮይኑ። ፍትሓዊ ውህደት ሄሰን ብፌደራል ሚኒስቴር ሰራሕተኛን ማሕበራዊ ጉዳያትን (BMAS) ዝምወል እዩ።
ምዝርራብ ምስ ትደልዩ:
Mislal Semere
አዚ ናይ ደገፍ ፕሮግራም „Integration durch Qualifizierung (IQ)“ ብመንገዲ ፈደራላዊ ሚንስትሪ ዕዮን ሰብኣዊ ጉዳያትን ይምወል።





