መብርሂ ዕቃበ ሓበሬታ

ንሕጊ ዕቃበ ሓበሬታ ብፍላይ ከኣ ንስርዓተ ሓፈሻዊ ዕቃበ ሓበሬታ ኤውሮጳዊ ሕብረት ዝምልከቶ ኣካል እዚ ዝስዕብ‘ዩ፦

Europäischer Verein für Wanderarbeiterfragen e.V.  (EVW/EMWU)

ውክልና ብዋና ኣካያዲ ስራሕ ሮበርት ፋይገር

Olof-Palme-Strasse 19
60439 Frankfurt am Main

መሰላት ብዛዕባ ናትኩም ውልቃዊ ሓበሬታ

ሓበሬታ ንምዕቃብ ንዝተመዘዘ ኣካል ብምውካስ፣ ነዞም ዝስዕቡ መሰላት ክጥቀምሎም ትኽእሉ ኢኹም፦

  • ዝርዝር ብዛዕባ ናትኩም ዝተዓቀቡ ውልቃዊ ሓበሬታት ምፍላጥ ከምኡውን ናታቶም ምምስራሕ፣
  • ምእራም ጌጋ ውልቃዊ ሓበሬታት፣
  • ምድምሳስ ምሳና ንዝተዓቀቡ ናትኩም ሓበሬታት፣
  • ውልቃዊ ሓበሬታኹም ብሕጋዊ ምኽንያት ክንድምስሶ ምስ ዘይንኽእል፣ ናይ‘ዞም ሓበሬታት ምምስራሕ ምቕያድ፣
  • ምቅዋም ብዛዕባ ምምስራሕ ውልቃዊ ሓበሬታኹም ከምኡ‘ውን
  • ምምሕልላፍ ውልቃዊ ሓበሬታኹም፣ እንተድኣ ኣብ ምምስራሕ ሓበሬታ ነዚ እንተ ኣፍቂድኩም ወይ ምስና ውዕል እንተ ፈሪምኩም።

ፍቓድ እንተ ሂብኩሙና፣ ነዚ ፍቓድ ኣብ መጻኢ ኣብ ዝኾነ እዋን ክተንሳሕብዎ ትኽእሉ ኢኹም።

ዘለኩም ጥርዓን ንዝምልከቶ ናይ ቁጽጻር ኣካል ኣብ ዝኾነ እዋን ክተቕርቡ ትኽእሉ ኢኹም። ንጉዳይኩም ዝምልከቶ ናይ ቁጽጻር ኣካል ኣብ ትነብሩሉ ዞባ፣ ዘለኩም ስራሕ ከምኡ‘ውን ኣብ ዝተጣሕሰ መሰላትኩም ይምርኮስ። ዝርዝር ሓበሬታን ኣድራሻን ናይ ምቁጽጻር ኣካላት (ንመንግስታዊ ዘይኮኑ ጽላታት ብዝምልከት) ኣብ ዝስዕብ መርበብ ሓበሬታ ክርከብ ይከኣል፦

https://www.bfdi.bund.de/DE/Infothek/Anschriften_Links/anschriften_links-node.html

ዕላማ ምምስራሕ ሓበሬታት ብመንገዲ ዝምልከቶ በዓል-መዚ ከምኡ‘ውን ሳልሳይ ኣካል

ናትኩም ውልቃዊ ሓበሬታት ንምስርሕ ኣብ‘ዚ መብርሂ ዕቃበ ሓበሬታ ንዝተጠቕሱ ዕላማታት ጥራይ ኢዩ። ካብ‘ዞም ዘተጠቕሱ ዕላማታት ወጻኢ ብዛዕባኹም ንሳልሳይ ኣካል ሓበሬታ ምትሕልላፍ ኣይከኣልን እዩ። ውልቃዊ ሓበሬታኹም ንሳልሳይ ኣካል ዝመሓላለፍ፦

  • ፍቓድ ብንጹር ምስ ትህቡና፣
  • ምሳኹም ውዕል ንምፍጻም፣ ምምስራሕ ሓበሬታ ኣድላዪ ምስ ዝኸውን፣
  • ሕጋዊ ግዴታ ንምምላእ፣ ምምስራሕ ሓበሬታ ኣገዳሲ ምስ ዝኸውን፣

እቲ ምምስራሕ፣ ሕጋዊ (ርትዓዊ) ረብሓ ንምክልኻል ኣድላዪ ምስ ዝኸውን ከምኡ‘ውን ሓበሬታኹም ንከይመሓላለፍ ዝኽልክል ዓብላሊ ረብሓ ምኽንያት ምስ ዘይህሉ እዩ።

ምድምሳስ ወይ ምዕጋት ሓበሬታታት

ኣብ ምምስራሕ ሓበሬታ፣ ምኹማር ሓበሬታት ምውጋድን ኣገደስቲ ዝኾኑ ውልቃዊ ሓበሬታት ምዕቃብን ዝብሉ መትከላት ንኽተል። ውልቃዊ ሓበሬታኹም ንዕቅቦ ኣብ‘ዚ ንዝተጠቕሱ ዕላማታት ንምዕዋት ኣድለዪቲ ክሳብ ዝኾኑ እዮም ከምኡ‘ውን ብሓጋጊ ኣካል ንዝተዋህቡ ዝተፈላለዩ ናይ ሓበሬታት ናይ ምዕቃብ መቓን ግዜ ኣብ ግምት ብምእታው እዩ።

እዞም ዕላማታት ምስ ዘቃርጹ (ዘብቅዑ) ወይ እዞም ናይ መቓን ግዜ ምስ ሓለፉ፣ ሓበሬታት ብቐጻልነትን ብሕጋዊ መንገድን ክድምሰሱ ወይ ክዕገቱ እዮም።

ናይ መወከሲ ሰነድ (ፎርም)

ዝኾነ ዓይነት ሕቶ ምስ ዝህልወኩም ብመንገዲ ኢመይል ወይ ብመንገዲ ናይ መወከሲ ሰነድ (ፎርም) ርኸቡና፤ ምሳኹም ርክብ ንምፍጣር‘ውን ወለንታዊ ፍቓድኩም ሃቡና። ነዚ ድማ ብቑዕ ናይ ኢመይል ኣድራሻ ምህላው ኣገዳሲ እዩ። እዚ ድማ ንዝመጹ ሕቶታት ንምስራዕን መልስታት ንምሃብን የገልግል። ተወሳኺ ሓበሬታ ምሃብ ግድነት ኣይኮነን። ንዝቐረቡ ጠለባት ከምኡ‘ውን ስዒቦም ክመጹ ንዝኽእሉ ሕቶታት ንምምስራሕ፣ እቲ እትህብዎ ሓበሬታ ምሳና ይዕቀብ። እቲ ብወገንኩም ዝቐረበ ሕቶ ምስ ተመለሰ ወይ ኣብ መዓልብኡ ምስ በጸሐ ድማ ተኸዚኑ ዝነበረ ውልቃዊ ሓበሬታት ብዛዕባኹም ብቐጥታ ይድምሰስ።

ምቕያር መምርሒ ዕቃበ ሓበሬታ

ምስ ህልው ሕጋዊ ጠለባት መታን ክሳነ ከምኡውን ኣብ እንህቦ ኣገልግሎታት ለውጢ ኣብ ዝመጽኣሉ እዋን፣ ንኣብነት ሓደሽቲ ኣገልግሎታት ምስ ዝተኣታቶ፣ እዚ ለውጢ ኣብ መብርሂ ዕቃበ ሓበሬታ መታን ክትግበር ነዚ መብርሂ ናይ ምምሕያሽ መሰልና ዝተሓለወ እዩ። ስለዚ ከም ብሓድሽ ናባና ኣብ ትበጽሕሉ እዋን ሓድሽ መብርሂ ናይ ዕቃበ ሓበሬታ ይህሉ ማለት እዩ።

ሕቶታት ንዕቃበ ውልቃዊ ሓበሬታን መምርሕን ዝምልከት

ዝኾነ ይኹን ሕቶታት ብዛዕባ ዕቃበ ሓበሬታ ወይ ድማ ምትግባር መሰልኩም ብዛዕባ አዚ ጉዳይ አንተለኩም  ኢመይል ክትሰዱልና ትኽአሉ ኢኹም ወይከኣ ብቐጥታ ምስቲ ዝምልከቶ ኣካል ኣብ ትካልና ክትዘራረቡ ትኽአሉ ኢኹም፡

ኣሕመድ ሻራፍ፣ ኢመይል፦ ahmad.sharaf@emwu.org


ማሕበራዊ መራኸቢታት ንምጥቃም ዝምልከት መተሓሳሰቢ

ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብ እንጥቀመሉ እዋን ንዕቃበ ሓበሬታን ውልቃዊ መሰላትን ዝምልከት

http://www.emwu.org/wp-content/uploads/2021/07/Hinweise-zur-Nutzung-sozialer-Medien-.pdf