Faire Integration Bayern

መግለጺ ፕሮጀክት

ኣብ መኣዲ ስራሕ ዝዋፈሩ ዘለው ስደተኛታት ብቑጽሪ ኣናበዘሑ ይኸዱ ኣለው። ብሰንኪ ዘለዎም ፍሉይ ኩነታት ድማ ንሓደገኛ ናይ ስራሕ ዝምድናታት ክቃልዑ ይኽእሉ እዮም። መብዛሕትኦም ኣብ ትሑት ዝእቶቱ ንጥፈታት ተዋፊሮም ስለ ዝርከቡ፣ ንማሕበራውን ናይ ዕዮን መሰላቶም ዝከታተል ናይ ምኽሪ ማእከል ክህሉ ኣገዳሲ እዩ።

በዚ መሰረት ፕሮጀክት “Faire Integration” ካብ ምዝመዛን ኣሉታዊ ኣድልዎን ንምክልኻል ንስደተኛታት ብዛዕባ መሰላቶም ኣብ መኣዲ ስራሕ ምኽሪ ይልግስ። እዚ ፕሮጀክት ብመንገዲ ፈደራላዊ ሚኒስትሪ ዕዮን ሰብኣዊ ጉዳያትን ጀርመን ዝተመወለ ኮይኑ፣ መሰላት ስራሕ ናይ ስደተኛታት ኣብ ግብሪ ንምውዓል ይስርሕ። ናይ ምኽሪ ዛዕባታቱ ድማ ነዞም ዝስዕቡ የጠቓልል፣

  • ሕቶታት መሰላት ስራሕ፣ ንኣብነት ደሞዝ፣ ዕረፍቲ፣ ምስጓግ ካብ ስራሕ፣ ሰዓታት ስራሕ፣ ሕላፍ-ሰዓታት ስራሕ ከምኡውን
  • ሕቶታት ማሕበራዊ መሰላት፣ ንኣብነት መድሕን ጥዕና፣ መድሕን ክንክን፣ መድሕን ጥሮታ።

እዚ ናይ ምኽሪ ማእከል ኣብ ዞባ ባየርን ኣብ ከተማ ኑርንበርግ ዝርከብ ኮይኑ፣ ብመንገዲ ትካል ኤውሮጳዊ ማሕበር ሰራሕተኛታት ስደተኛታት (Europäischer Verein für Wanderarbeiterfragen e.V.) ይትግበር።

ናይ ምኽሪ ሰዓታት ስራሕ ኩሉ ግዜ ሶሉስ ካብ ሰዓት 9:00 ክሳብ 11:00፣ ሮቡዕ ካብ ሰዓት 15:00 ክሳብ 19:00 ከምኡውን ሓሙስ ካብ ሰዓት 13:00 ክሳብ 16:00 የጠቓልል። ካብዞም ዝተጠቕሱ ሰዓታት ስራሕ ወጻኢ እውን ቆጸራ ምሓዝ ይከኣል እዩ።

Ansprechpartner:

Fkreyesus Naizghi Ghebreyesus

Flyer Beratungsstelle Nürnberg