Faire Integration Hessen

 አዚ ሓዲሽ ፕሮጀክት „Faire Integration“ ኣብ ትሕቲ IQ Netzwerk Hessen ኮይኑ ኣብ ጀርመን ንስደተኛታትን ንኤውሮጳውያን ዘይኮኑ ዜጋታትን ምኽሪ ብዛዕባ መሰሎም ኣብ መኣዲ ስራሕ ይልግስ። ደለይቲ ምኽሪ ከም ሰራሕተኛታት አንታይ መሰል ኣለዎም ከመይ ጌሮም‘ከ የተግብርዎ ወይ ድማ ይሓቱ ምኽሪ ይወሃቦም።

ብዙሓት ካብቶም ኣብዚ ሓጺር አዋን ናብ ጀርመን ዝተሰደዱን ወይ ድማ ስራሕ ንምድላይ ዝመጹን ሰባት፡ ኣብ ናይ ሞያ ትምህርቲ ወይ ድማ ኣብ ናይ ስራሕ መኣዲ ተዋፊሮም ይርከቡ። ከም ተሞክሮ ንካብ ምብራቕን ማአከላይን ኤውሮጳ ዝመጹ ሰባት ምኽሪ ዝህቡ ናይ ምኽሪ ማአከላት ንኣብነት DGB-Projekt „Faire Mobilität beim Europäischen Verein“፡ ሰራሕተኛታት ዘለዎም መሰል ክፈልጡ ኣዝዩ ኣገዳሲ ምዃኑ ይገልጹ። በዚ መንገዲ ብዝበለጸ ንርአሶም ካብ ኣሉታዊ ኣድልዎን ምዝመዛን ክከላኸሉ ይኸአሉ።

Faire Integration ብናይ ሓገዝ ፕሮግራም (IQ)“ ይትግበር፡ ብ DGB Bildungswerk ድማ ይድገፍ።

„Faire Integration“ ኣብ ኩለን 16 ዞባታት ናይ ጀርመን ናይ ምኽሪ ኣገልግሎት ይህብ። አዚ ሓድሽ ፕሮጀክት ኣብ ሄሰንን ባየርን ብመንገዲ ትካል ኤውሮጳዊ ማሕበር ሰራሕተኛ ስደተኛታት Europäischer Verein für Wanderarbeiterfragen ይትግበር።

አዚ ናይ ሓገዝ ፕሮግራም (IQ) ዕላምኡ ንናይ ወጻአተኛ ድሕረ-ባይታ ዘለዎም ሰባት ኣብ ናይ ስራሕ ዓለም ቀጻልነት ዘለዎ ምምሕያሽ ንምፍጣር አዩ። አዚ ፕሮግራም ብመንገዲ ፈደራላዊ ሚንስትሪ ዕዮን ሰብኣዊ ጉዳያትን ጀርመን (BMAS) ይምወል። ኣብ ምትግባሩ ድማ ብ ፈደራላዊ ሚንስትሪ ትምህርትን ምርምርን (BMBF) ፈደራላዊ ናይ ስራሕ ውሕስነት ትካልን (Bundesagentur für Arbeit) ይድገፍ።

ምዝርራብ ምስ ትደልዩ:

Mislal Semere

ናይ ሓበሬታ ወረቐት ቦታ ፍራንክፈርት

 

አዚ ናይ ደገፍ ፕሮግራም „Integration durch Qualifizierung (IQ)“ ብመንገዲ ፈደራላዊ ሚንስትሪ ዕዮን ሰብኣዊ ጉዳያትን ይምወል።